1. ፕረዚደንትን ቤት ምኽሪ ምምሕዳር መንግስቲ እቲ ክልልን ስልጣኖምን ዕማሞምን ክፍጽሙ ምእንቲ ክኽእሉ ኩነታት የመቻቹ፤ 2. ካብ ትካላት ዝብገሱ ፖሊሲታት፡ ስትራተጂታትን መደባትን የተሓባብር፤ ይትንትን፤ ንቤት ምኽሪ ምምሕዳር መንግስቲ እቲ ክልል ሓሳብ ውሳነ የቕርብ፤ 3. ኣተግባብራ ፖሊሲታት፡ ስትራተጂታትን መደባት ልምዓትን መንግስቲ እቲ ክልል ይከታተል፤ ይድግፍ፤ 4. ንፕረዚደንት ወይ ንቤት ምኽሪ ምምሕዳር መንግስቲ እቲ ክልል ዝቐርቡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ውሳነ የጽንዕ፤ ይትንትን፤ ሓሳብ ውሳነ የቕርብ፤ ምስ ተወሰኑ ይፍጽም፤ የፈጽም፤ ኣፈጻጽምኦም ይከታተል፤ ኣድላዪ ደገፍ ይህብ፤ 5. ጉዳያት ምምሕዳር፡ ጥርዓንን ቅሬታን ህዝቢ ዝስተናገዱሉ ስርዓት ይዝርግሕ፤ ኣተግባብርኡ ይከታተል፤ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ህዝቢ ክፈልጦ ይገብር፤ ዝርዝር ኣፈጻጽምኡ ብዝወጽእ ደንቢ ይውሰን፤ 6. ካብ ዋናታት ጉዳይ ዝቐርቡ ጥርዓናትን ሕቶታትን ተቐቢሉ የስተናግድ፤ መልሲ ይህብ፤ ኣብ ደረጃኡ ፍታሕ ክረኽቡ ዘይክእሉ ንፕረዚደንት ወይ ንቤት ምኽሪ ምምሕዳር መንግስቲ እቲ ክልል ወይ ንዝምልከቶ ኣካል ብምቕራብ ውሳነ ክረኽቡ ይገብር፤ 7. ዓይነት፡ ብዝሒን ምኽንያትን ቅሬታታት ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብምጽናዕ ምስ ሓሳብ ፍታሕ ንውሳነ ዝህብ ኣካል የቕርብ፤ 8. ንፕረዚደንትን ንቤት ምኽሪ ምምሕዳር መንግስቲ እቲ ክልልን ኣገልግሎት ፕሮቶኮልን ዶክመንቴሽንን ይህብ፤ 9. ስራሕቲ ተሳትፎ፡ ክትትልን ደገፍን ጉዳያት ዲያስፖራ ይፍጽም፤ 10. ካልኦት ብቤት ምኽሪ ምምሕዳር መንግስቲ እቲ ክልልን ብፕረዚደንትን ዝወሃብዎ ዕማማት ይፍጽም።