Social
“ቡሳ ጎኖፋ ሰብኣውነት ዝንጸባረቐሉን መዓልታዊ ህይወት ዝምራሕሉን ልምዲ እዩ”። ሽማሊስ ኣብዲሳ ፕረዚደንት መንግስቲ ክልል ኦሮሚ
ኦሮሞ ብሕግን ስርዓትን ዝመልኡን ህይወት ዝምራሕን ትካላት ብምህናጽ ብፍልስፍና ስርዓት ጋዳ ክመሓደር ጸኒሑ እዩ። ካብቶም ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖን ብድሆታት ዝሰግሩሎም ዓበይቲ ትካላት፡ ልምዲ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።
Font size
ኦሮሞ ብሕግን ስርዓትን ዝመልኡን ህይወት ዝምራሕን ትካላት ብምህናጽ ብፍልስፍና ስርዓት ጋዳ ክመሓደር ጸኒሑ እዩ። ካብቶም ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖን ብድሆታት ዝስገረሎም ዓበይቲ ውዳበታት፡ ልምዲ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ቡሳኣ ጎኖፋን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ኦሮምያ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ሓቀኛ ሰብኣውነት ዝንጸባረቐሉን መዓልታዊ ህይወት ዝምራሕ ዓንዲ ዝኾነ ናይ ሓድሕድ ምትሕግጋዝ ልምዲ እዩ። ቡሳኣ ጎኖፋን መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ናብ ትውፊት ኦሮሞ ናይ ንግሆ ንምምላስ ካብ ዝተተግበሩ ሓደሽቲ ስጉምትታት ሓደ ኮይኑ ናይ ሓባር ማሕበራዊ ፀገማት ንምምካት ዘኽኣለ ሓዱሽ መሓውር እዩ። ኢቲታ ኣብ ሓፂር እዋን ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገበት ሓዱሽ ስጉምቲ እያ። ጥንታዊ ልምድታት ኦሮሞ ስርዓት ጋዳ ብምውዳብን ብስትራተጂካዊ ኣገባብ ብምምሕዳርን ኣብ ደቡብ ኦሮምያ ዝረአ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ንምምካት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ማእኸል ረድኤት ናብ ኣፍራዪ ማእኸል ንምስግጋር እውን ተኻኢሉ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ዘጋጠሞም ተፈጥሮኣዊን ሰብ-ሰርሖን ብድሆታት ንምስጋር ዘኽኣሎ ነዚ ብሩኽ ዕላማ ልምድታቱን ስነ-ምግባሩን ዝዘርገሐ ኢድ ህዝብና እዩ። መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ብመሰረቱ ሎሚን ጽባሕን ልምድታት ህዝብና ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖን ብድሆታት ብምምካት ኩሉ ሰብ ካብ ውድቀት ንምድሓንን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምጥንኻርን ድልዱል ዓንዲ ምዃኑ ይኣምን። ስለዝኾነ ቡሳኣ ጎኖፋ ንኦሮሚያ ንምውዳብን ዝና መንነት ኦሮሞ ካብ ሓገዝ ሓሊፉ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ብቆራጽነት ይሰርሕ ኣሎ። በዚ ዓይኒ’ዚ ቡሳኣ ጎኖፋ ንኦሮሚያ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ነጻ ዝገብርን ንሰብኣውነት ጥራሕ ሰብኣዊ ምትሕብባርን ደገፍን ዝገብር ናይ ህዝቢ ዋልታ ውዳበ እዩ። ቡሳ ጎኖፋ ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖን ብድሆታት ክጻወር ዝኽእል ሰብኣዊ ሽርክነት ይሃንጽ ኣሎ። ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ልዕሊ 28 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብቐፃልነት ዝተሓባበሩ ኣባላት ተሳሒቦም እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣበርክቶ ጎኖፋ ቡሳ ብሕጋዊ መንገዲ ይእከብ ብምህላዉ ተፈጥሮኣውን ሰብ ዝሰርሖን ሓደጋታት ንምክልኻል ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ። ከም መንግስቲ ኣባላት ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ብምዃን ነዚ ዓቢ ተልእኾ ዝድግፉ ዘለዉ ውልቀሰባትን ትካላትን ከመስግኖም እፈቱ። ቡሳኣ ጎኖፋን ብዝገበርኩምዎ ምትሕብባርን ደገፍን ኣብ ሞንጎ ዝሓየላ ትካላት ሃገርና መንገዲ ዓወት ክሕዝ ክኢሉ ኣሎ። ህዝብና ካብ ቃላት ሓሊፉ ነዚ ተልእኾ ብግብሪ ይግንዘቦ ኣሎ። ብናይ ኣባላት ሓገዝን ኣበርክቶን ቡሳ ጎኖፋ ልዕሊ ትሽዓተ ቢልዮን ቅርሺ ተኣኪቡ ኣሎ። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንተማሃሮ መግቢ ኣብ ምቕራብ ትኹረት ይግበር ከምዘሎን ሕርሻታት ኣብያተ ትምህርቲ ብመደባት ሲቪክ ኣገልግሎት ኣቢሉ መደብ መግቢ ተምሃሮ ዕዉት ንምግባር ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ተበግሶ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ብምውሳድ ተልእኾ ህንጸት ወለዶ ንምሕያል እውን ቃል ኣቲና ኣለና። Buusa Gonofaan Oromia ብኢንቨስትመንት ኣብ ሕርሻ ኣብ ገጠርን ኢንቨስትመንት ኣብ ዝተፈላለዩ ህንፀት ከተማታትን ዝተጀመረ ስራሕ ርጉእ እቶት ንምምፃእ ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊቱ ኣሎ። መካናይዜሽን ዘፈር ሕርሻ ኣብ ገጠር ዕዉት ንምግባርን ኣብ ከተማታት ዝተጀመረ ልምዓት ንምቅልጣፍን ዝጥቀሙሉ ዘመናዊ ማሽነሪታት ተዓዲጎም ተግባራዊ ኮይኖም ኣለው። በዚ ኣጠማምታ ኣብ ገጠርን ከተማን ንቕሓት ካብ ምፍጣር ክሳብ ድኽነት ነውሪ ምዃኑን ብልጽግና በረኸት ምዃኑን ምርኣይ ዝሰርሕ እዩ። በዚ ድማ ታሪኽ ተጠቒምና ብኣተሓሳስባን ብተግባርን ናብ ኣፍራይነት ዝሰጋገሩ ዜጋታት ንምፍጣር ዝተጀመረ ስራሕ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና። ከም ውድብ ዓብዪ ሃፍቲ እናሃለወና፤ እንተኸኣልና እውን ብፅንዓትና ታሪኽ ሰሪሕና መንገዲ ዓወት ንምፅራግን ካብ ተስፋ ናብ ክውንነት ንምስግጋርን ጉዕዞ ጀሚርና ኣለና። መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ምምስራት ዕላማታት ቡሳ ጎኖፋ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ከምዝቕፅልን ህዝቢ ዝጀመሮ ምትሕብባርን ደገፍን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ክሰርሕ ብኣኽብሮት ፃውዒት ይገብር! ኦሮሚያ ክንሃንጽ ኢና፣ ኢትዮጵያ ከነሐይል ኢና፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከነረጋግእ ኢና፤ ኣምላኽ ድማ ክሕግዘና እዩ! ሽማሊስ ኣብዲሳ፡ ፕረዚደንት ናይ MNO መጋቢት 2018 ፍጻመ